ቃልሲ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል
ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ንልዕሊ 15 ዓመታት ብዘይ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሕቶ ዑቕባ ይነብሩ ። እዚ ድማ ነቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ስራሕን ክንክን ጥዕናን ስለዝኽልክሎም፡ ብዘይ ቁሱን ናብራ ንማእሰርትን ምስጓግን ቁሉዓት ይገብሮም። ይኹን እምበር እዞም ማሕበረሰባት ኣብ ጎኒ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኮይኖም ንመሰላቶም ይጣበቑ። እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብሩህ መጻኢኦም ንምርግጋጽ፡ ንቃልሶም ህጹጽ ኣድላይ ፍታሕ ንምምጻእ ዘጉልሕ እዩ።
ንጥፈታት ማሕበር ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል




ንመሰልና ደው ንብል
.
ብሕጋዊ ንመሰልና ንጣበቕ
* ሓባራዊ ሕቶ ዑቕባና ነረጋግጽ
* መሰል ህጻናት
* መሰል ደቂኣንስትዮ
* መሰል ሰራሕተኛታት
* መሰል ትካላዊ ዕብየት
ቁጦባና ነሕይል
.
ንቁጦባዊ ዕብየት ሓባራዊ ቁጦባ
* ሓባራዊ ትካላት ንምፍጣር መሰል ኣለና
* ካብ ሰራሕተኛታት ሓሊፍና ኣስረሕቲ ክንከውን
* ጥርናፈና ንትካላዊ ስራሕ ከነውዕሎ
* ውልቃዊ ማሕበራዊ ትካላት ነታኣታቱ
* ንደቀንስትዮ ዘማእከለ ቁጦባ
ሞያዊ ስልጠናታት
.
ንትካላዊ ስራሕ ሞያዊ ብቕዓት
* ትካላዊ ምሕደራ
* ብቕዓት ቋንቋ ምሕያል
* ናይ ትካላት መሳርሒ ምልላይ
* ናይ ትካል ሰነድ ምስናድ
* ንደቅና ሌላ ናይ ስራሕ
You decide which plan is right for you!!!
ሕቶን መልስን ?
ንኹሉ ኣብ እስራኤል ዝነብር ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ይኹን ናይ እስራኤል ዜግነት ዝሓዘ ኤርትራዊ።
ዝኾነ ውልቀሰብ ይኹን ማሕበር ንመሰረታዊ መሰል ሰብኣውነትን ሕጊ ዲሞክራስን ክኽተል ይግባእ።
ኣባላት ብውልቂ ወይ ከኣ ብዓዲ ፡ ከባቢ ፡ ኣውራጃ ፡ ሃይማኖት ፡ ሞያ ፡ ትካልን ስፖርታዊ ጥርኑፍነትን ክጥርነፉ ይኽእሉ።
1, ኣብ እስራኤል ካብ ሰራሕተኛታት ናብ ኣስረሕቲ ትሰጋገሩ። እዚ ማለት ካብቲ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ዝፍጠሩ ትካላት ፡ ናይ ስራሕ ኮንትራት ብምውሳድ ኣስራሕቲ ትኾኑ። 2, ኣባላት ማሕበር ብግሩፕ ናይ ውልቂ ትካላት ወኒኖም ኣስራሕቲ ይኾኑ። ንውሕስነቱ ኸኣ ማሕበር ሓላፍነት ይወስድ። 3, ሞያዊ ስልጠና ። 4, ትምህርታዊ ሓገዛት ብመንገዲ ትካላትን ኤንጅኦታትን ።

Recruiters love
our platform

Ready to hire a great team?
Start your free trial now to experience how our powerful software will help you achieve recruiting success!
© All Rights Reserved